Blog

ናብ ምድሪ ሰላም ኸምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም

ማቴ 10፡34-38 “ናብ ምድሪ ሰላም ኸምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰይፊ ደኣ እምበር፡ ዕርቂ ከምጽእ ኣይመጻእኩን። “ ሉቃ 12፡49-54 “ናብ ምድሪ ሓዊ ኽድርቢ እየ ዝመጻእኩ፡ ሕጅስ ብጀካ ምንዳዱ እንታይ እደሊ ኣሊኹ፧“ ኦ! ንጉሠ ሰላም ኢየሱስ ክርስቶስ ንስኻ፡ ሰላም ኪትዕድል ዝመጻኻ ኣምላኽ ክነስኻስ ሰላም ኬምጽእ ዝመጻኹ ኣይምሰልኩም ዝበልካ ደኣ ንምንታይ እዩ? ነቢይ ኢሳይያስ ብዛዕባኻ ብመንፈስ ትንቢት ከምዚ እናበለ ጨደረ፦ “ሕፃን ተወሊድልና ወዲ […]

Continue Reading

‘ንምንታይ ሕያዋይ ትብለኒ ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ ሕያዋይ የልቦን” /ማር 10፡18/

“ኢየሱስ ብመገዲ ኪኸይድ ከሎ ሓደ ሰብኣይ እናጐየየ ናብኡ መጺኡ ሰገደሉ። ‘ኣንታ ሕያዋይ መምህር ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክወርስሲ እንታይ እግበር?’ ኢሉ ሓተቶ። ኢየሱስ ከኣ ከምዚ በሎ ‘ንምንታይ ሕያዋይ ትብለኒ ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ ሕያዋይ የልቦን” /ማር 10፡18/። ነዚ ቓል እዚ ዚተዛረቦ ክርስቶስ እዩ። እዚ ቓል እዚ ኣምላኽነት ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይቅበሉ ኣርዮሳውያንን መሰልቶም ንምድንጋር ዝጥቀምሉ ዘለዉ ቓል […]

Continue Reading